BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
Tigrinya Top Stories
‘ብስም ኣላህ ለሚነ፡ ከድሕኑና ኣይደለዩን’ - ካብቲ ልዕሊ 30 ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ጀልባ ዝደሓነ ሰብ
ሰኑይ 14 ሚያዝያ 2016 (ግ) ምሸት፡ 77 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሓደጋ ኣጋጢምዋ፤ ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበሩ ብውሑዱ እቶም 33 ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ’ዩ። እቲ ሓደጋ ግን ብኸመይ'ዩ ኣጋጢሙ? ቢቢሲ ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ ብገበን ክኽሰስ ሓቲቶም
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ 10 መጋቢት 2019 ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናበረረት እንከላ 157 ሰባት ሒዛ ከምዝወደቕ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቤተ ሰብ ግዳያት ኣፍራዮ እዛ ነፋሪት ዝኾነ ኣሜሪካዊ ትካል ቦይነግ ብገበን ክኽሰስ ንቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሜሪካ ሓቲቶም። እቶም ቤተ ሰብ ግዳያት ብቅድሚ ትማሊ 24 ሚያዝያ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሜረካ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ’ዮም እቲ ትካል ብገበን ክሕተት ሕቶ ኣቕሪቦም።
ኣመሪካ 'ቀይሕ መስመር' ከይትሰግር ቻይና ኣጠንቂቓ
ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ከይትህባ ንፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ከምዝተማሕጸኖ'ውን እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። ንሩስያ ትህቦ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ደው እንተዘየቢላ ግን ኣመሪካ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ብሊንከን ኣጠንቂቑ'ሎ። እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝኸውን ግን ኣየነጸረን።
ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ስለ ምንታይ ናብ ሞቓድሾ መጺኣ?
ብሰሉስ፡ ገዛፍ ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ናብ ሶማልያ ሞቓድሾ ከም ዝኣተወት ይፍለጥ።እዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝጽንብል ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ሓካይም ካብ ማህጸን ዝሞተት ኣደኣ ብህይወታ ዘውጽኡዋ ናጽላ ሞይታ
ክትውለድ እንከላ 1.4 ኪ.ግ ሚዛን ጥራይ ከም ዝነበራን መዓልታ ከይኣኸለ ስለ ዝተወልደት ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገም ከም ዝነበራን'ውን እቶም ሓካይም ሓቢሮም እዮም።
ተቓውሞታት ኲናት ቓዛ፡ 'ኢንቲፋዳ' እንታይ’ዩ?
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓያሎ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ኣንጻር እቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰልፊታት ተቓውሞ ክካየዱ ቀንዮም ኣለው። እዚኦም ብርክት ዝበሉ ምሁራት እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተሳተፉሎም እዮም።
ለውጢ ክሊማ፡ ንጽንኩር ኵነታት ኣየር ዝጸልወሉ 4 ረቛሕቲ
ለውጢ ክሊማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብተደጋጋምን ዝያዳ ጽዑቕን ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንኽስዕብ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። ንምዃኑ ንማዕበል ሙቐት፡ ድርቂ፡ ባርዕ በረኻን ውሕጅን ብኸመይ እዩ ዘጋድዶ?
'ውጥነይ ኣብ ኢትዮጵያ ክፈሽል እዩ' ንኣፍሪቃ ብጉያ ዝዘውር ዘሎ ኪት ቦይድ
ብሪጣንያዊ-ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቦይድ፡ ዕጡቓት ንዕኡን ነቲ ካሜራ ሒዙ ዝስዕቦ ዝነበረ ማይክልን ክጨውይዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን "መፈጸምታና ኣብዚ ኮይኑ’ሎ" ክብል ደምዲሙ ነይሩ።
ኢጣልያ፡ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ምችእቲ እያ?
ናብራ ንምቕያር ብዝብል ሃረርታ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት፡ ሓያለ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ጸኒሖምን ኣለዉን። ኣብተን ሃገራት ምስ ምጅማር ሓድሽ ናብራ፡ ምምላኽ ቋንቋን ባህልን፣ መስርሕ ምውህሃድ... ዝኣመሰለ ዝገጥሞም ብሆታት ንምርኣይ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ገለ ስደተኛታት ኣቕሪብና ኣለና።
ወጥሪ ዝዓሰሎ ንሕንሕ ከፍኩሳ ዝጽዕራ ዘለዋ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት
በይጂን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምዝሕሓል ዘርአየ ቍጠባኣ ንምንቕቓሕ ንናይ ወጻኢ ትካላት ንግዲ ክትስሕብ ኣብ እትፍትነሉ ዘላ እዋን፡ ልስሉስ ዲፕሎማስያዊ ቃና ዝወሰደት ትመስል።
ሱዳን፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ
ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ርእሲከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ንልእሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ሱዳን ንምፍታሕ ብዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ልዑል ደገፍ ከምዘለዎ ‘ገሊጹለይ’ ክብል እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሩ።
ትራምፕ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክባት 'ንከይወጽኡ ሓጊዘ' ዝበለ ኣሕታሚ እንታይ ምስክርነት ሂቡ?
ንሱ ምስ ጠበቓ ትራምት ነበር ሚካኤል ኮሀን ብምዃን ብዛዕባ ትራምፕ ዝወጽኡ ዝነበሩ ሓበሬታታትን ክስታትን ኣብ ምሕባእ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።
ከይሓልፈኩም
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መን ከሲቡ? መንከ ከሰረ?
እስራኤላዊ ተመራማሪ፡ እስራኤል ካብቲ መጥቃዕቲ ዝረኸበቶም ገለ ረብሓታት እኳ እንተሃለው፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ስዕረት እያ ኣአንጊዳ ይብል። እዚ ድማ፡ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምግንዛባን ኢራን ኣብ ዶባታ መጥቃዕቲ ንኸይተብጽሕ ክትከላኸል ዘይምኽኣላን እዩ ኢሉ ይኣምን።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ሰብ ተስፋን ሰብ ጓህን ኣብ ጐደና ግጋባ - ካምፓላ
ዩጋንዳ፡ ንዓመታት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጻሊ ንስደተኛታት ዝቕበል ክፉት ፖሊሲ ዘለወን ሃገራት ኰይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር 13 ማእከላት መዕቈቢ ስደተኛታት ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብርክት ዝበሉ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኮንጐ፡ ኢትዮጵያንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ስደተኛታት ከተማ ብግዝያውነትን ቀዋምነትን ይነብሩ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።
ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ
ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።
ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት
ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።
ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርን ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዕድላት ግብራዊ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎን ብድሆታቱን ኣብ ዝምልከት እምበኣር፡ ቢቢሲ እምበኣር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ዛዕባ ዳህሲሱዎ ኣሎ።
ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?
ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ንናይ ቀደም ግዝኣታተን ብዝተፈላለየ መዳያት ብምሕጋዝን፡ ከይተባተኻ ፍሉይ ዝምድና ከማዕብላ ይረኣያ። ኤርትራን ኢጣልያን ግን እንታይ እዩ ታሪኸን? ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ከመይ እናበለ ክመጽእ ጸኒሑ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ፤
ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው። ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።
ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ብግጭት፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝፍለጥ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ እዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ሓደ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት እዩ። ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን’ውን ጽልዋ ኣለዎ።
ትንታነ
ስኑዓት ናይ ሓሶትን ጽሑፋት ብኸመይ'ዮም ናብ ፌስቡክ ዝኣትው?
እዚ “ክሎኪን” ዝበሃል ዓይነት ምትላል ኦንላይን ኰይኑ፡ መታለልቲ ዕላማኦም ስለ ዝሓብኡ፡ እቶም መወዓውዒታት ካብ መስርሕ ገምጋም ሓደ ትካል ማሕበራዊ ሚዲያ ተሓቢኦም ክሓልፉ እንከለው ማለት እዩ።
ኤል ኒኖን ላ ኒናን እንታይ’ዮም? ከጨንቑናኸ ይግባእ'ዶ?
እቲ ብኤል ኒኖን ላ ኒናን ዝስዕብ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ትሕተ ቅርጺ፡ መግብን ስርዓታት ጸዓትን ይጸልዎ’ዩ።
ብኸመይ'ዮም ቈልዑ ሰለስተ ዓመት ብኢንተርነት ንጾታዊ ምዝመዛ ዝቃልዑ ዘለው?
ኣብ ቀረባ፡ ኦፍኮም ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብርክት ዝበሉ ዕድመኦም ካብ 5 ክሳብ 7 ዝዀኑ ህጻናት ናይ ባዕሎም ዘመናዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ከም ዘለዎም የመልክት።
ኢትዮጵያ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ንግዲ ሰደድን ችርቻረን ክሳተፉ ምፍቃዳ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ወፍሪ ንምግባር ርጕእ ቍጠባን ፖለቲካዊ ኵነታት ይጠልብ፤ እዞም ነገራት ኣብ ዘየለውሉ፡ ለውጢ ክመጽእ የጸግም እዩ፤ ኵነታት ሸርፊ ወጻኢ እውን ዓቢ ሕማም ርእሲ ይኸውን ኣሎ። ብኻልእ መዳያት’ከ...? ቢቢሲ ክኢላታት ስነቝጠባ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ ትንታነ እንሆ፤
'መዓልቲ መሬት' እንታይ እዩ? መዓስከ ይኽበር?
"ፕላነትን ፕላስቲክን" ብዝብል ቴማ ዝኽበር 2024፡ ብከላ ፕላስቲክ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባትን ፕላነታትን ዘስዕቦ ጉድኣት ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ቻይና፡ ብኸመይ እያ ብሕጓ ንኣሜሪካ ትኣትዋ ዘላ?
እዚ ኣብ መጓዓዝያ መራኽብ ንዝግበር ወጻኢታት ካብ ምቝጣብ ሓሊፉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርያት ምሉእ ብምሉእ ከም ሜክሲካዊ ንብረት ስለ ዝቝጸር፣ እዚ ድማ ቻይናውያን ትካላት ካብቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት [ኣሜሪካን ቻይናን] ዝቕጽል ዘሎ ንግዳዊ ቅሩቍስን ኣብ ልዕሊ ንብረት ቻይና ዝትግበር ቀረጽን እገዳን ኣሜሪካ ንምምላጥ ዘኽእል ሜላ ቻይና ምዃኑ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ይጸልዎም ዶ?
ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 32.6 ሚኢታዊ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ኮይኑ ይስራዕ። ምስዚ ጎኒ ጎኒ፡ እቶም ንዝሓሸ ናብራ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ‘ስራሕ፣ መንበሪ ገዛን ካልእ ዕድላትን ካብ ዜጋታት ይምንጥሉ ኣለዉ’ ዝብል ቁጥዐ ብተደጋጋሚ ይስማዕ።
ሱዳን፡ ብኸመይ እያ ዓውደ ክርፍስ ሩስያን ዩክረይንን ትኸውን ዘላ?
ኣብ መስከረም 2023፡ ሓደ ትጽቢት ዘይግበረሉ ኣኼባ ኣብ ሓደ ዘይተለምደ ቦታ ተኻይዱ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ካብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክምለስ ከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሻኖን - ኣየርላንድ ዕረፍቲ ይገብር። ሽዑ ከኣ ኣብኡ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ።
'ወርቃዊ ቪዛታት' እንታይ'ዮም? ስለምንታይከ ኣካታዕቲ ኰይኖም?
ልዕሊ 60 ሃገራት ‘ወርቃዊ ቪዛ’ ይህባ፤ እዚ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ቀልጢፎም መንበሪ ፍቓድ ኢሉ’ውን ዜግነት ክረኽቡ ዘኽእል’ዩ። ብዙሓት ሓተትቲ እቲ ቪዛ፡ እዚ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ዘኽእል ዕድል ገይሮም ይርእዩዎ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ዝለዓል ብልሽውናን ዋጋታት ሪል ስቴትን ግን ኣዘራራቢ’ዩ።
ኢራንን እስራኤልን ዘለወን ወተሃደራዊ ዓቕሚ እንታይ ይመስል?
እስራኤልን ኢራንን ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ኲናት እኳ እንተዘይኣካየዳ፡ ክልቲአን ሃገራት ግን ኣብ ዘይወግዓዊ ጐንጺታት ተጸሚደን ጸኒሐን እየን።
ቪድዮ, 'ኣብ ዓደይ እየ ክነብር ዝደሊ' - ኤርትራዊ ቀምቃሚ ሰለሞን ክብሮም ኣብ ካምፓላዕምሪ ፈነወ, 4,38
ኣብ ሱዳን ንልዕሊ 10 ዓመታት ክነብር ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሰለሞን ክብሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ዩጋንዳ ካብ ሞንጐ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ እዩ።
ኣብ ዱባይ ዝሃረመ ዘይንቡር ዝናብ ኢድ-ሰብ ዝተሓወሶ ክኸውን ይኽእል ድዩ?
ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዝሃርም ዘሎ ዘይንቡር ከቢድ ዝናብ ኣብ ሰብን ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ'ሎ። ብሰንኩ ዝሰዓበ ዕልቕልቕ ኣብታ ማእከል ንግዲን ቱሪዝምን ዓለም ዝኾነት ከተማ ዱባይ ኣብ መጓዓዝያ ኣየርን ምድርን ሰፊሕ ምትዕንቓፍ ኣስዒቡ ይርከብ። ኣብታ ከተማ ዝርከብ ብንጥፈታቱ ኣብ ዓለም ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ብማይ ስለዘዕለቕለቐ፡ በረራታት ክሳብ ምቁራጽ በጺሑ'ዩ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
'ሰባት እዮም ኣታሊሎምኒ' ልዕሊ 6 ሚልዮን ዶላር ብምትላል ዝተኸሰሱ ቀሲስ በላይ
ቅድም ክብል ሃገረ ስብከት ኦሮሚያ ንምቛም ብዝገበርዎ ምንቅስቓስ ዝፍለጡ ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀ ኣእላፍ ቀሲስ በላይ፡ ብረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።
ንከተማ ናይሮቢ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ውሕጅ 32 ነበርቲ ቀተሉ
ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ብውሕዱ 32 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ልዕሊ 40 ሽሕ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ቦትስዋና ስደተኛታት ብሪጣንያ ክትቅበል ንዝቐረበላ ሕቶ ከምዝነጸገቶ ተገሊጹ
ብሪጣንያ "ብዘይሕጋዊ ኣገባብ" ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግዓዝ ምስ ርዋንዳ ውዕል ከምዝፈረመትን እቲ ፖሊሲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብፓርላማ ጸዲቑ ከምዘሎን ይፍለጥ።
ጉዳይ ትራምፕን ኮኾብ 'ፖርኖግራፊ ፊልም' ስቶርሚን ስለምንታይ እዩ ዘዘራርብ ዘሎ?
ጓል 45 ዓመት ዳኒኤልስ፡ ትኽክለኛ ስማ ስቴፋኒ ክሊፎርድ ኮይኑ ኣብ ሉዊዚያና ዝተወልደት ብስራሕቲ ፊልም ፖርኖግራፊ ብዙሕ ሽልማት ዝረኸበት እያ። ኣብ ዓበይቲ ፊልምታት ሆሊዉድ ድማ ተሳቲፋ።
ቪድዮ, ዶካትር ካብ ማህጸን ዝሞተት ኣደኣ ኣውጺኦም ብህይወት ዘትረፍዋ ናጽላዕምሪ ፈነወ, 1,47
እስራኤል ኣብ ራፋ-ቓዛ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ካብ ዝተቐተለት ነብሰ-ጾር ኣዶ ካብ ማህጸን ኣውጺኦም ዶካትር ዘትረፍዋ ህጻን።
1 ሚልዮን ብር ክኸፍል ዝተሓተተሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጨውየ ኤርትራዊ ድያቆን ኣበይ ኣተወ?
'ዕጡቓት' ተባሂሎም ብዝጽውዑ ጕጅለታት ዝፍጸም ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስርቂን ጭውያን ድማ ካብቲ ገኒኑ ዝርኣ ዘሎ እዩ። 'ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም' ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት ጨዊኻ መበጆ ምሕታት ድማ ሓደ ካብቲ ተለሚዱ ዘሎ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ ዙርያ'ዚ ዝተፈላለየ ዛንታታት ክንገር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ኣዲሳ ኣበባ ዘጋጠመ መጭወይቲ ዲያቆን ሰመረ ፍስሃየ ድማ ሓደ ካብኡ እዩ።
ጌታቸው ረዳ፡ ብዛዕባ ግጭት ኣላማጣ፣ ምጽንባር ህወሓትን ብልጽግናን እንታይ ይብል?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ትግራይን ኣምሓራን ዘጋጠመ ጐንጺ፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ጠጠው ንምባል ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ዘይደልዩ ኣካላት ግን ጐንጺ ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለው ክብል ከሲሱ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ቤተሰብ ግዳያት፡ እቶም መንእሰያት ስደት መሪጾም ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ብሱዳን ንሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት እምበር ምሩኻት ከም ዘይኰኑ ይገልጹ።
ኢትዮጵያ፡ 56 ሚእታዊት ካብ ተመሃሮ 2ይን 3ይን ክፍሊ ፊደላት ከለልዩ ኣይክእሉን - መጽናዕቲ
ብደረጃ ዓለም ብዘሎ መምዘኒ፡ ሓደ ተማሃራይ ካልኣይ ክፍሊ እንተወሓደ ኣብ ደቒቕ 60፤ ሓደ ተማሃራይ 3ይ ክፍሊ ድማ 90 ቃላት ከንብብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ግን ሃገራት ንዝምህራሎም ቋንቋታት መሰረት ዝገበረ ምትዕርራይ ክገብራሉ ይኽእላ እየን።
'ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ
እዞም ኣባላት ሰልፊ፡ ኣንጻር ንመንግስቲ ዝነቕፉን ዝቃወሙን ውልቀሰባት ትሕዝቶ ዘለዎምን ከም ‘ናይ ጽልኢ ዘረባ’ ክውሰዱ ዝኽእሉ ጽሑፋትን ምስልታትን ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሖም እዮም።