BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

Tigrinya Top Stories

ከይሓልፈኩም

  • ቅልውላው እስራኤልን ኢራንን

    ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መን ከሲቡ? መንከ ከሰረ?

    እስራኤላዊ ተመራማሪ፡ እስራኤል ካብቲ መጥቃዕቲ ዝረኸበቶም ገለ ረብሓታት እኳ እንተሃለው፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ስዕረት እያ ኣአንጊዳ ይብል። እዚ ድማ፡ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምግንዛባን ኢራን ኣብ ዶባታ መጥቃዕቲ ንኸይተብጽሕ ክትከላኸል ዘይምኽኣላን እዩ ኢሉ ይኣምን።

  • ካባላጋላ፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት እዘን ሃገራት ዝነብሩሎም ከባቢታት ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ እንዳ ለይታዊ ተልሂትን ትካላት ንግድን ይርከቡ

    ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ሰብ ተስፋን ሰብ ጓህን ኣብ ጐደና ግጋባ - ካምፓላ

    ዩጋንዳ፡ ንዓመታት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጻሊ ንስደተኛታት ዝቕበል ክፉት ፖሊሲ ዘለወን ሃገራት ኰይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር 13 ማእከላት መዕቈቢ ስደተኛታት ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብርክት ዝበሉ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኮንጐ፡ ኢትዮጵያንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ስደተኛታት ከተማ ብግዝያውነትን ቀዋምነትን ይነብሩ።

  • ሓደጋ መኪና

    ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።

  • ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ

    ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ

    ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

  • ከተማ ሆግ

    ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?

    ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።

  • ብቅርጺ ዓይኒ ዝተሰርሐ ገይጺ ኢድ

    ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት

    ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።

  • ቢንያም ግርማይ ኣብ 2022 ኣብ ጂሪኦ ዲ ኢታሊ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ዘመዝገበሉ

    ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?

    ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።

  • ባጤራ ናቕፋ

    ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርን ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዕድላት ግብራዊ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎን ብድሆታቱን ኣብ ዝምልከት እምበኣር፡ ቢቢሲ እምበኣር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ዛዕባ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

  • ፕረዚደንት ኢጣልያ ነበር ኦስካር ሉዊጂ ስካልፋሮ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1997

    ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?

    ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ንናይ ቀደም ግዝኣታተን ብዝተፈላለየ መዳያት ብምሕጋዝን፡ ከይተባተኻ ፍሉይ ዝምድና ከማዕብላ ይረኣያ። ኤርትራን ኢጣልያን ግን እንታይ እዩ ታሪኸን? ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ከመይ እናበለ ክመጽእ ጸኒሑ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ፤

  • ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት ጎይትኦም

    ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን

    ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው። ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።

  • መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ

    ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?

    ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ብግጭት፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝፍለጥ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ እዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ሓደ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት እዩ። ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን’ውን ጽልዋ ኣለዎ።

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ብብዝሒ ዝተነበ